تقارير

وكالة زاجل تقدم تعريفا بكتاب الطائفية باللغة التقرنية

المادة في فيديو منشور في قناة زاجل :

ጽሓፊ ዝወሰዶ ተበግሶ ሰብ ሃይማኖት ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ መሪሕ ግደ ክህልዎምን

ብስም ኣምላኽ ድማ ነቲ ህልው ሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ምፍዋስ ኣወንታዊ ተሳትፎ ክገብሩን እዩ።

ወኪል ማዕከን ዜና ኤርትራ ዛጂል ‘’ዚና’’ ብዛዕባ’ዚ ተበግሶ ብንባብ ኣቕሪብዎ ኣሎ።

እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ካልኦት ክዝከርዎ ዘይደልዩ ነገራት ይዛረብ። ባህሪያት ከንቀሳቕስዎ እንከለዉ ይርደኦም እዩ፡

ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ዘሎ ርክብ በቲ ተወቃሲ ዝኾነ ጉጅላውነት ብምጽጋዕ የመሓድርዎ

ስም እታ መጽሓፍ፡ ጉጂላዊነት ኣብ ኤርትራ. . . እቲ ስርዓት ይቕበሎ ዶ ወይስ ይብዝብዞ?

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሰለስተ ምዕራፋት ኣለዋ፡ ከምኡውን ትሸዓተ ክፋላት ኣብ ብዙሕ ተገሚዑ ዝተመቃቀለ፡ ብተወሳኺ ጽሟቕ መደምደምታታት ዘለዎ፡ ዓሰርተ ሓድ ውሳኔታት ዝሓዘ ከምኡውን ዓሰርተ ለበዋታት ኣለዎ።

ኤርትራውያን ክርስትያን ኣብ ሙሉእ ታሪኾም ብዛዕባ ሙስሊሚን ኣብ ሃገራውነቶም ጉጂላዊያን እዮም ካብ ዝብል ክሲ ንጹሃት ምዃኖምን ከምዘይውቀሱን በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ኣረጋጊጾም።

  • ንስልጣንን ሃብትን ንበይኖም ክቆጻጸሩ ጭርሖ ኣየልዓሉን፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያን ባህርን ኣይነበሮምን።
  • ኣቦታቶም ንደቆም ንክርስትያን ኣጥቅዑ ዝብል ምኽሪ ይኹን ዛንታ ኣየስረጹን፣
  • እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እውን ምስኡ ብእምነት ንዝፍለዩ ብጾቱ ክዋጋእ ዕላማ የብሉን ።

ኣብ ሃገርና ሕሉፍ ይኹን ህልው ታሪኽ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ንጹህን ድሙቕን እዩ።

ኤርትራውያን ኣስላም ነቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ተበግሶታት ኣብ ምድልዳል ወትሩ መሪሕ ግደ እዩ ዘለዎም፣ ናጽነት ኤርትራ

ኸኣ ነቕ ዘይብል

ፕሮጀክቶም ኢዩ ነይሩ። ካልኦት ተደናገጽቲ ግን ምስ ኢትዮጲያ ክሓብሩን ስልጣንን ሃብትን ሃገር ንምቁጽጻር ይጽውዑ ነይሮም’ዮም። እቲ ሃገራዊ ናጽነት ንምዕዋት ዝግበር ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቃልሲ ብመሰረቱ ናይ ኣስላም ውጥን(ፕሮጀክት) እዩ ነይሩ። ጸኒሖም ፍረ ናይቲ ቓልሲ ንምዕጻድን ሓይልን ሃብትን ንምብሓት ናብቶም ዋናታት ይጽንበሩ።

እቲ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣወንታዊ ባህርያት ስለ ዘለዎም እቲ ኻልእ ወገን ምሳታቶም ክሓብሩ ምስ እዝደልዩ ወትሩ ልቦም ክፉት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኻልእ ወገን ምእንቲ ከረጋግጹሉ ብዕላማ ኣብ ዚምርኰሰሉ ሃይማኖታዊ ረብሓታት ብእተወሰነ ደረጃ ይሓድጉ እዮም። ገለ ካብቲ ኣብነታት ድማ

ኣብ ታሪኾም ዓበይ ስም

 ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ነቲ ካልእ ህዝቦም

ምእንቲ ክኸስብዎ ኢሎም ታሪኻዊ ስሞም “ማሕበር ራቢጣ ኣል-እስላሚያ”ሓዲጎም እዮም።

ኣብቶም ካልኦት ወገን ዘለዉ ውድባት ምትእምማን ምእንቲ ኼሕድሩ  “ጀሃድ” ዝብል ስም እውን ገዲፎም።

ሕጂውን እቲ ካልእ ወገን ምትእምማን ከሕድር ምእንታን እስላማዊ ጽሑፋት ቐንጠጡ ። ዝኾነ ይኹን ኣንጻር ክርስትያን ዝለዓል ሰወራ ከምዝነጽግን ከምዘይሕግዝን ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ኣዕራብ እውን እንተኾኑ ንዕላማ ኤርትራውያን ዝደገፉሉ ምኽንያት ክልቲኦም ወገናት ምስ ፖለቲካውን እስትራተጂካውን  እተተሓሓዘ ጉዳያት ስለ ዝነበሮም እዩ። እቶም ሓገዝቲ እንዳበዝሑ ብምዃዶም ናብ ጉጅለታት ክፋላለይ ጀመረ። ስለዚ

ካብዞም ኣዕራብ ንእተፈላለዩ ጕጅለታት ይድግፎ ነይሮም እምበር። ንሓደ ካብዞም ጕጅለታት እኳ ኣንጻር ክርስትያን ንኽቃለሱ ደገፍ  ኣይገበሩን። ናይ ኤርትራውያን ሙስሊሚን ዕላማ’ውን ኣይነበረን።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቶም ብፍላይ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራውያን ዝምርሑ ዝነበሩ ኻልኦት ክርስትያናዊ ሰልፍታት ምስ ኢትዮጵያ ንምሕባር ቀንዲ ዕላመኦም ከምዝነበረ ትገልጽ። ነተን ዝተረፋ ኣብያተ-ክርስትያንን ምስቶም ኣስላም ኣሕዋቶም ዘይሰማምዑ ገለ ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ድማ ጐቲቶም ወሰድዎም።

እዚ ዘይፍትሓውን መሰረት ዘይብሉን ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣምንቲ እስልምና ኣብ ብዙሓት ክርስትያናት ኣእምሮ ክልጠፍ ተገይሩ እዩ። ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ

እምነት ምስልምና ጉጀላውያን ዝብል ክሲ ብሃውሪ ይውቀስ እዩ።

ኣብ እዋን ሰውራ ምስቶም ሕማቕ ዕላማታት ዘለዎም ማሕበራት ብወገንነት ትሓብር ነበረት። ንጉጅለ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተጠቒማ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ናይ ቃልሲሜዳ ከምእትወጽእ ገበረት።

እዚ ጥሩፍ ወገናዊ ጉጂለኣዊ ዘይፍትሓዊ ጥምረት ናይ ሃገር ሃብትን ስልጣንን ኣብ ምጉባጥ ተዓዊቱ እዩ።

ናይዚ ፍረ ግን መሪር ጭቆና ኮነ፡ ገዛእን ተገዛእን ብዘይፍትሓዊ መገዲ ስለዝኸዱ ውጽኢቱ ድማ ፍትሓዊ ዘይኮነ ስርዓት ምስረታ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዘትፍትሓዊ ጥምረትን ኪዳንን ተበተነ ድሌታቱን ጻዕርታቱን ድማ ፈሸለ።

ኣብ ሞንጎኦም ብዝተፈጠረ ናይ ሕነ ምፍዳይ ጉድጓድ ኣተዉ፡ ደም ድማ ተፋሰሱ፡ ወቐሳ

ብዝመለኦ ጸቢብነት ተባልዑ፡ እታ ሃገር በቲ ወዛል ፓሊሲታት ኣብ ዘይረብሕ ኩናት ኣተወት።

ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ኮይኑ ኣሎ ፖለቲካዊ ርግኣትን ፣ሓባራዊ ሃገራዊ ስምምዕ፣ ምዕባለ ከምኡውን ናጽነት ኣይተረኽበን ። ኣብ ክንድኡስ እቲ ኣበር ዝመልኦ ጥሩፍ ወገናዊ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ብዅሉ ኣንፈት ምቅላሱ ቀጸለ ክንዮ እቲ ስርዓት ኣብ ኵሉ ደረጃታቱ ዜሰንዮ ዝነበረ ናይ መሰጋገሪ ባህርይ ንላዕሊ ክስጉም ኣይከኣለን።

ቤተክርስትያን ነቲ ስርዓት ስቕ ኢላ ስለ ዝረኣየቶን ስለ ዝደገፈትን እያ ተኽሰስ፣ ነቲ እተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እውን ኣይኮነነትን። እቲ ጉጂለ ብዘለዎ ዓብላልነት ነቲ ኣብ መሰላት ካልኦት ምጥሓስን ዘይናቱ መሬትን ባሕርን ምግባትን ምስፍሕፋሕን ብሓጎስ ስለ ዝረኣየቶ እዩ። ህዝቢ ከበሳ ነቲ

ናይ ጉጅለኣዊ ዓብላልነት ፕሮጀክት ብጽኑዕ ደጊፍዎ እዩ። ይቕረታ ምሕታት ይኹን ሃገራዊ ዕርቂ ክኸውን ዘለዎ ፈተነ ፈሺሉ እዩ ።

ኣብ መደምደምታ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ስርዓት ኤርትራን ቤተ-ክርስትያንን ንሓዘለፈን ንዘሎን ፍሽለታት ተሓተትቲ እዮም። እዚ ምሕጽንታ እዚ ንቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ካብቲ ገባቲ ስርዓት ክትፍለ ምስቶም ኣብ ኵለን ሃማኖታት ዘለዉ ክፍልታትን ጉጅለታት ክትሓብርን እላበዋ።

ስለዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ዕርቂ ሽቶ ገይሩ ንዜጋታት ኤርትራውያን ኣብ ሃይማኖቶምን ኣብ ባህሎምን መሰላት ረኺቦም ኣብ ጽቡቕ ስነምግባራዊ ስርዓት ብምምስራት ሓባራዊ ጥቕሚ ዘረጋግጽ እዩ።

  እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ መሻይኽን ኣቕሽሽትን ንሓድሕዶም ልቦም እንተ ኸፊቶም ጻዕርታቶም ሃገራዊ

ሓድነት ትካል ኣብ ምቛም ከተኩሩ ብምግላጽ ኣሳልጦን ጽቡቕ ኣጋጣምን ከም ዚረኽቡ እተኣማመን።

ሃይማኖታት ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ወጻእ ፖለቲካዊ ጽልዋን ጸቕጥታትን ነጻ ክኾኑ ኣለዎም።

ናይ’ዛ መጽሓፍ ጽማቝ ሓሳባት ብሰለስተ ቛንቋታት ብዓረብኛ ብትግርኛን ከምኡውን ብእንግሊዝኛ ተዳልዩ ኣሎ።

ንትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ምስትውዓል ንምሃብን ነቲ ተበግሶ ንምዝርጋሕን እዩ። ስለዚ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ብህድኣትን ፍትሓዊ ብዝዀነ ምስማዕን ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ነቐፌታን ገይሮም ኪርእይዎ ተስፋ እገብሩ።

ምናልባት እውን ካብ ርእይቶታት ሰጊሩ ብሱልን ዕዉትን ቅኑዕን ዕላማ ዘለዎ ተበግሶታት ንምውሳድ ይሕግዝ ይኸውን።

በላሕትን ንቁሓትን ኮይና ካብቲ እቲ ስርዓት ኣብ

መንጎ ዜጋታት ዘእተዎ ጥርጣረ ክንላቐቕን ናብ ምትእምማንን ምክብባርን ዘእትወና ጽቡቕ ተኽሊ እዩ።

ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ እዚ ተበግሶ እዚ በቲ እቲ ሓኪም ብዛዕባ ጥዕና ናይቲ ሕሙም ዘለዎ ሓልዮት ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል እዩ።

(ካብ ዝረኸሰ መርዚ መድሃኒት ይርከብ!)

المادة في فيديو بقناة زينا زاجل :

تعليقات

تعليقات

مقالات ذات صلة

اترك تعليقاً

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *

زر الذهاب إلى الأعلى