دراســاتمقالات وآراء

ጽማቝ መጽሓፍ ፦ ኣንቆራነት ኣብ ኤርትራ ነቲ ስርዓት ድያ ትኽብክቦስ ወይስ እቲ ስርዓት እዩ ንዕዓ ዝጠቀመላን ዝምዝምዛን ዘሎ ?

ብዶ / ር: ሓሚድ መሓመድ ሓላፋ ተመራማሪ ሕጋዊ ፖለቲካን ጽቡቕ ምምሕዳርን

መብዛሕትኦም ኤርትረውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ንሃይማኖት ኣብ ታሪኽን ሕጅን ገበነኛ ኸም ዝዀነ ብምርኣይ ንጕዳያት  ሃገር ኣብ ምፍታሕ ብዛዕባ ሃይማኖት ካብ ምዝራብን ካብኡ ሓገዝ ካብ ምሕታትን ድሕር ምሕር እዮም ዝብሉ ። እቲ ብዛዕባ ኣንቆራነት ዚህብዎ ትርጕም ኣብ ሃይማኖታዊ ትርጕም ጥራይ እዩ ዜተኵር ። ንካልኦት ትካላትን ጕጅለዊ ኣሰራርዓ ግን ብሕማቕ ኣይጥመቱን።

ንወገናውን ንጉጀላውን  ቀቢላውን ዞባኣውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ባህርያት ዘለዎም ብዙሓት ሰልፊታትን ጕጅለታትን እተመስረቱ ተፈላጥነት ወይ ሕጋዊ ምትሕብባር  ይረኽቡን ይህልዎምን።ንሃይማኖት ብዚምልከት ግን እተፈልየ ኣጠማምታ  ይጥምትዎን ብክፉእ ኣረኣእያ ይርእይዎን ። እዚ ምርምር ናይዛ መጽሓፍና’ዚኣ (ኣብ ኤርትርያ ኣንቆራነት፥ነቲ ስርዓት ድያ ትኽብክቦ ወይስ እቲ ስርዓት እዩ  ንዕዓ ዝጠቀመላን ዝምዝምዛን  ) ብዝብል ብዛዕባ ዘይፍትሓዊ ትርጕምን መግለጽን ኣንቆራነት ይገልጽ።

2-እዚ ምርምር  እተገበረ ብዛዕባ እቶም ኻልኦት ስቕ ዚብሉሉ ነገራት ንምዝራብን እዩ ተጻሒፉ። ንሃይማኖታዊ ኣንቆራነት ብዝምልከት ከኣ ንጕዳያት ሃገርን  ዜጋን ኤርትራ  መልሲ ንምሃብን ኣበርክቶ ንኺገብር ዕድልን ኣጋጣሚን ኪኸፍተሉ ካብ ዝብል እምነትን  ተበግሶን ኣተሓሳስባን ዘቕርቦ ዘለኹ ። እዚ ምርምር ንሕቶ  ፦ ኣንቆራነት ኣብ ኤርትራ  ነቲ ስርዓት ድያ ትኽብክቦ ወይስ እቲ ስርዓት እዩ  ንዕዓ ዝጠቀመላን ዝምዝምዛን ዘሎ ) ንዝብል  ንምምላስን መብርሂ ንምሃብን ዝዓለመ እዩ።

ምንጭታት፡

3-እቲ እተገብረ ምርምር  መርበብ ኢንተርነት መወከሲ ብምግባር   ቀንዲ ሰነዳትን ዜናታትን ጸብጻባትን ከምኡውን ምስቶም ኣብቲ መድረኽ ዘለዉ ፍሉጣትን ንጡፋትን ሰባት እተገብረ ቓለ-መጠይቓት ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ 50 መጻሕፍቲ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ  ምስቶም ኣብቲ ስርዓት ዝነበሩ እሞ ምስክርነት ሓቂ ንምርካብ ተመክሮ ዘለዎም ተጻረርቲ ኢዮም ። ምኽንያቱ ምስክር ዝሓየለ መርትዖ  ስለ ዝኾነ ፣ ገሊኡ ሓበሬታ ኸኣ ኣብቲ ቐንዲ ጠንቂ ምርምር መርትዖ ዝዀነ ናብኡ ንምምላስ እዩ ዚምርኰስ ።

በ፥ናይዚ ምርመራ ጸገማት

 ብዙሓት ፖለቲከኛታት ፥ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኸም ዜእቱ ብምዅናን ከም ዚኸፋፍልን ውጥረት ከም ዜጐሃህርን ረቛሒ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ። ስለዚ ሃይማኖት ሓቅነቱ እተረጋገጸን ኣድላዪን ኣብ ማሕበራዊ ሃዋሁ ዚርከብን እኳ እንተ ዀነ ነታ ሃይማኖት እትብል ቃል ዘይኰነስ ነታ “ሃገር  እትብል ቃል እዮም ዚጥቀሙላ ። ምናልባት እዞም ፖለቲከኛታት እዚኣቶም ካብ ሃይማኖታዊ ኣንቆራነት ንምምላጥ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ይህልዎም ይኸውን፡ ስለዚ ኸኣ ኢዮም ነዚ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝዛረብ ከምኡውን ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝድግፍን ዝቕበልን “ካህን” ወይ “ሸይኽ” ምዃኑ ከረጋግጹ ዘይደልዩ። ወይ እቲ ስርዓት ንሃይማኖት ናይቲ ኣንቈራ ዋላ ሓንቲ ኽገብር ዘይክእል ጨቋኒ ሸቶታት ንምውቃዕ ይምዝምዝዎ ይዀኑ። ምስ ሃይማኖት ድዩ ወይስ ምስ ረብሓታት ኣንቈራ ? እቲ ምርምር ነዚ ጸገም ብምምርማርን ብዕምቆት ብምጽናዕን እቲ ንመፍትሒ ዝኸዉን  ርእይቶታት ብምሃብ ንጸገማትና  ንምፍታሕ ዝሕግዝ መጽናዕቲ እዩ።

እቲ እተገብረ መጽናዕቲ ንትርጕም ኣንቆራነት ዝተዋህቡ መግለጺታት  ከቕርብ እንከሎ እቲ እተዋህበ ትርጉምን መግለጺን ከኣ ዘይቅኑዕን  ዓመጻውን ከምዝኾነ ጠቒስዎ ኣሎ።  ገለ ኻብኡ ኸኣ እቲ እቶም ሓያላት ንኣንቆራነት ዚህብዎ ዘይፍትሓዊ ትርጕም ከም ዚፈላልን ከም ዚጋጮን ዝሓዘለ እዩ።  እቶም ገዛእቲ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተጻረርቶም ዜፍጽምዎ ጭካነ ኸም መመኽነይታ ገይሮም ንምቕራብ ኣብኡ ይምርኰሱ ። ብዘይካዚ እቲ  ጨቋኒ  ገዛኢ ባዕሉ ኣብ ሰልፊ ኣብ ዓሌት ኣብ ሃገራውነት ኣብ ሃይማኖት ወይ ኣብ ስነ ሓሳብ እተመስረተ እንተ ዀይኑ እውን እቲ ናይ ኣንቆራነት ንዕኡ ከምዘጠቓልልን ዝምልከትን የፍልጥ  ። ንጥቕሚ ኣንቆራኡ ኢሉ ድማ ነቲ ኻልእ ኣንቈራ ይጭቍኖ። ኣብ ርእሲ’ዛ ቓል እዚኣ ንነፍሲ ወከፍ ጭቈና ዝመልኦ ኣንቈራ ኣብ ቅድሚ እቶም ጨቈንቱ ኣብ ቅድሚ ሓደ  ሃይማኖት ወይ ረብሓታት ዝቘመ ማሕበር ናይ ምቛም መሰል ኣለዋ ። እቲ ኣብ ምዕራፋቱን ክፋላቱን እተገብረ ምርምር ታሪኻዊ ሓቅታትን ህሉው ሓቅታትን ምስክርነት ክኢላታትን ብምምርማር ኣገዳሲ ውጽኢትን መምርሒ ሓሳባትን ክሳዕ ዚህብ ብዛዕባ ትሕዝቶኡ ብዝርዝር ይመያየጥ እዩ።

ቀዳማይ፡ ውጽኢት

 ትርጉምን መግለጽን ናይ ኣንቆራነት እትብል  ቃል፡ ሓደ ኽፋል ሕብረተሰብ ንዓቕምታት እታ ሃገር ኪቈጻጸርን ነቶም ዝተረፉ ዜጋታት መሰሎም ኪኽልክሎምን ዚጽዕር ሃይማኖት ኮይኑ ሰልፊ ሃገራውነት ወይ ፖለቲካዊ ስርዓት ኪኸውን ዚኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ውድባዊ ኣካል የቕውም ማለት እዩ ። ዘይፍትሓዊ ብወተሃደራት እተዓቝበ ወተሃደራዊ ወይ ሲቪላዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ ኣብ ኵሉ እዚ ዅነታት እዚ ኣንቆራታት ኢዮም ። ኣብ ሃይማኖት ኣንቆራነት ዝብል ስያመ ንምጽባብ ምኽንያት የብልናን፡ ከመይሲ እዚ መጥቃዕቲ እዚ እቶም ብጾቱ ብዘይ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ጕጅለ ዜጋታት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኢዩ። ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክፍጸም ከሎ ንገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ከምኡውን ሸቶኦም ንምውቃዕን ንኻልኦት ንምምሕልላፍን ድምጾም ንኸስምዑን ሕጋዊ መገዲ ናይ ምጥቃምን መሰል ክህልዎም ናይ ግድን እዩ።

ስርዓት ኤርትራ ካብ ናጽነት መዓልቲ ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ንዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና  መጥቃዕቲ የውርደሎም ነበረ ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ሰውራ ዝጀመረሉ እዋን ዝጀመረ መጥቃዕቲ ኣብ ርእሲ ምኻኑ  ኵሉ ሰውራ ኤርትራን እተፈላለዩ ጕጅለታትን ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኢዩ ። ይኹን እምበር ንዅሉ’ቲ ውልቀ – ምልካዊ ናይ ኣንቆራታት ፕሮጀክት ንምጥቃም ብምምዝማዝ ኣብ ህቡብ ግንባር ተንኰለኛ ምዃና ከርኢ ጀመረ ። እዚ ኸኣ በቶም ክፍሊ እቲ ስርዓት ኣብ ምምሕዳር ዘሕለፍዎ ተመክሮ ዝነበሩ ወይ ከኣ ቅድሚ ሓርነትን ድሕሪኡን ምጽራር ዘጋጠሞም ሰባት ተገሊጹ ኣሎ ። ኤርትራዊያን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ቕድሚ 20 ዓመት ብዘይፍትሓዊ መግረፊን ዓመጸን ከጋጥሞምን ከጋንፎምን እንከሎ እዚ ዓመጽን በደልን  በቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኤርትራዊ ክርስትያናትን ኣህጉራውያን ውድባትን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣይተዀነነን። እዚ ዓመጽ እውን ኩላትና ከም እንፈልጦ ናብ ካልኦት ኣባላት  ቤተ – ክርስትያን በብቅሩብ ክበጽሖም ከኣለ።

ኵሉ እታ ሃገር በጺሓቶ ዘላ ሕማቕ ኣስጋኢ ኩነታት፡ ኣብ መንጎ ዜጋታታን ኣብ ዘለዎም ማሕበራዊ ርክባትን፡ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ርክብን፡ ቍጠባዊ ውድቀትን ፡ ከም ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ትምህርቲ፡ ትሕቲ ቅርጽታታ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዚወርድ ዜፈንፍን ፖሊሲታት እዚ ኩሉ  ዝተጠቕሰ ተርእዮታት  ኣብ መንጎ እታ ቤተ – ክርስትያንን ኣብ መንጎ እቲ ንሰብኣውን ባህርያውን ሃብቲ እታ ሃገር ብግቡእ ዘይቈጻጸሮ ስርዓትን እተገብረ ዜስካሕክሕ ኪዳን ተፈጥሮኣዊ ውጽኢት እዩ ።

ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ስርዓት ኰነን መሻርኽቱን ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ክሓልፉ ዘይከኣሉ ። ታሪኽ ከምዘመዝገቦ እውን  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብን ዘለኣለማዊ ሓድነትን ነዊሕ ዝጻዓርሉ ኣብ  ግብሪ ከውዕልዎ ኣይከኣሉን ። ዳሓር  ግን  ኣብቲ ናይ ናጽነት ድሮ   ዝጀመረ ቃልሲ ክጽንበሩን  ንኽሓብሩ ግድን ኮኖም።

እዚ መስርሕ ቃልሲ’ዚ ኸኣ ብመሰረቱ ብሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኤርትራ ዝተጀመረ ስዒቡ ድማ ካልኦት ክሕወስዎ ተኻእለ። ብተመሳሳሊ ክርስትያን ነቲ ስልጣን ዝወነነ  ስርዓት  ኣርኣያ ኪዀኑ ብፍጹም ኣይካኣሉን ። ኣብ ክንድኡስ ብመሰረት ኣረኣእያ ኻልኦት ሰባት ንብምልእታ እታ ሃገር ውርደት ኢዩ ነይሩ ። ኣብ ጎኒ ዓማጺ ስርዓት  ጠጠው ምባል ዘሕፍር ኣብ ርእሲ ምዃ ኑ  እንደገና ምእንቲ ኸይድገም ይቕረታን ተሓታትነት  ዝሓትት ጉዳይ ምዃ ኑ ምስትብሃል የድሊ  ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ  ቕልውላው እናገደደን እናነውሐን  እሞ እዚ መጥቃዕቲ ናይ ስርዓት  ክትንክፎም  ምስ ጀመረ  ብዙሓት  ደቂ ሃገርና ክርስትያን ኣብቲ ኣብ ክሊ  ዝነበረን ዘሎን ናይ ተቓውሞ  መደበር ኤረትራዊያን   ተጸምበሩ። ዝነኣድን ዝምስገንን  ጻዕርታቶም ከኣ እናበዝሐን እናጎልሐን እናሓየለን መጸ ። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጭቈናን ህስያን እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እውን ገና እቲ ስርዓት ኣብቶም ንዕኡ ዘጣቕዕሉን ዝስዕስዕሉ  ዘሎዎ ብምሙርካስ  ንባዕሉ ድማ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ህዝቢ ንጥቕሙን ንጥቕሚ ናይ ኣንቆራታት ፕሮጀክቱን ከም መሳርሒ ጭቈና ገይሩ ወሲድዎ ኣሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ንስርዓት ዘሎ ኣብ ኢርትራ ብድላዩ ወይ ብጸቕጢ ምሉእ ደገፉን ምትሕብባሩን ከምዝገብር ይጥርጠር እዩ።ከምእዉን ናይ እስላም ዳር ኣል ኢፍታእ ኣብ ኤርትራ ሽሕካ ንኣስላም ኤርትራ ብዕሊ ኣይትወክል እቲ ኣብ ክንድኡስ ብመሰረት መምርሒታትን ፖሊሲታትን ናይቲ ውልቀ – ምልካዊ ስርዓት ስጕምቲ ንምውሳድ ዘቘመ ክፍሊ መንግስቲ ኮይኑ ፡ መንግስቲ ኤርትራ  ነቲ ኣብ ልዕሊ ምስልምናን ኣስላምን ዘካይዶ ንሞራላውን ንሃይማኖቶምን ንምብልሻው  ጭኮናን መግረፍትን ከም መሳርሒ እዩ ዝጠቀመሎም።   ። እቲ ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ ንዳር – ኣልኢፍታእ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት  ዚድግፍ ሰዓቢ እምነት ምስልምና የልቦን ንዕኦም ስለዘይውክል፡  ኣቓውማ  ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን እንተሪኢና ግን  ፍልይ ዝበለ ኾይኑ ንስርዓት ኢርትራ ከምእትድግፍን ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢላ ከምዘላን ፍሉጥ እዩ፡ቅድሚ ናጽነት እውን ነቲ ኣንጻር ድልየት ህዝብና ዝነበረ ምስ ኢትዮፒያ ናይ ምጽንባር  ዕላማ ይሰርሓሉን ይድግፎን ነበረ።

ኵለን ናይ ኤርትራ ክርስትያን ጕጅለታት  ወጻኢ ካብ ዶባት ኤርትራ  ዝምድናታት ከመዘለወን ከምእዉን  ሓገዝን  ደገፍን ከምዝረኽባ ዘጠራጥር ኣይኮነን ። ብፍላይ ከኣ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ስርዓት ኤርትራዉን ነዚ ርክባት ክቕጽል የፍቅደሉን ይጥቀመሉን እዩ።  እቲ እተካይዶ ግዳማዊ ርክባት ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ብእኡ ሓገዝን ደገፍን ብምርካብ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን  ንረብሓታታ  በቲ እተዋሃባ ዕድል ትሰርሕ። እዚ ደገፍ እዚ ነታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ስርዓት እምንቲ ብምዃና ወይ ይምዝመዛ ምህላዉ ከምኡውን እቲ ስርዓት ስቕ ብምባል ናይ ኣንቆራታት ጨቋኒ ፕሮጀክቱ  ንምህናጽ  እይ ዝዓለመ። ይኹን እምበር ምስ ናይ ወጻኢ ዓለም ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንዅለን ኣብያተ – ክርስትያን ኤርትራት ንጹር ሓቂ ኢዩ ። እዚ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ዕድል ምጥቃም  ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን ግን  ንክርስትያናት ጉጀለታት  ኪፍቀዱሉ ዚኽእሉ ኻልኦት ጉጅለታት (ኣስላም ) ምኽልካል  ግን ዘይፍትሓውን ኣሕፋርን ተግባር  እዩ።

ስርዓት ኤርትራ ንሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኻብ ወጻኢ ሃገር ዝዀነ ይኹን ደገፍ ከይረኽቡ ይኽልክልን ይሰጎምን ይቐጽዖምን እዩ ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እቲ ዝጸነሐ ናይ ኣስላም ቤተ ትምህርትታት ክኣርግን ኣምሃሪ ንጥፈታቱ ክዝሕትልን  ክሰናበልን ዝኻኣለ።በንጻሩ እቲ ስርዓት ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ወጻኢ ዓለም ምስ መዛኑኣ ኽትራኸብን ሕጋውነትን ደገፍን ክትረክብን የፍቅድን የተባብዕን።

እቲ ንጹር ዝኾነ ሓቂ ግን፡ ስርዓት ኤርትራ  ኣብ መንጎ  ዝተፈላለያ ጉጅለታትን ኣንቆራታትን ኣብ ሃገርና  ጽልእን  ፍልልይን  ከምዝሰፍንን  ዜማዕብልን ከምዝሰርሕ ንጹር እዩ። ነዚ ብምስትብሃል ከኣ ነዚ ፖሊሲ ናይ ስርዓት ዘይምቅባልን ምንጻግን የድሊ። ምኽኒያቱ  ሓደ ኣንቈራ ወይ ጉጅለ  በቲ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዜጋታት ብዜውርዶ ግሁድ መጥቃዕትን ዓመጽን  ኣቢሉ ዚህቦ ኣገልግሎት ኪዓግብ ግቡእ ኣይኰነን ፣ ከመይሲ ነዚ ዘይፍትሓዊ ዕድል  ፍቓደኛ ኮይንካ ምቕባል ነቲ ኣብ መጻኢ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መጀመርታ ዓዶም መሬትን ገንዘብን ቦታን ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎም ከምኡውን ኣብ መንጎ እቶም ንኺዘምቱ ኢሎም እተወስዱ ሰባት ዜጋጥም ሃገራዊ ጸገማት መቕድም እዩ ።

ሓደ ኻብቲ ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ’ዚ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ክርስትያናትን ኣብ ኤርትራ ተስፋን ኣብ ሓቂ ዝተሞርከሰ ኣወንታዊ ኣረኣእያን ናይ ምውህሃድ ባይታ ምንጻፍን ንምጅማር ዝእምት እዩ ። እዚ ኸኣ ካብ ፖለቲካውን ዞባኣውን ጸቕጥታት ወይ ካብ ኣንቆራታትን ጸቢብ ጉጅላዊ ኣተሓሳስባን  ርሒቕካ ሃናጺ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ምይይጥ ምግባር ዝዓለመ እዩ ። እዚ  ምውህሃድ ዝግበር እውን  ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣንቈራታትን ዝተፈላለዩ  ጉጀለታት ኤርትራውያን  ንመጻኢት ብልጽግቲ ኤርትራ ኣብ መሰረት መሰላት ምዕቃብን  ፍትሕን ማዕርነትን ዝነግሰሉ ሃገር ምህናጽ ኣዝዩ ኣድላይን ክስራሓሉ ዝግበኦ ኣገዳሲ ጉዳይ ከምዝኾነ ከነጽር እፈቱ።ምኽኒያቱ እዚ ናይ ዓማጺን ተዓማጺን ሃዋህው ንዜጋታትና ነቲ ናይ ብሓባር ኮይንካ ምንባር ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ዝዕንቅፍን ዘሰናኽልን እዩ።

በንጻሩ እዚ ሃዋህው ነቲ ተዓሚጹ ዘሎ ኣካል ናይ ሕነ ምፍዳይ ስሚዒታት ከሕድረሉን ኣብ መጻኢ ንሃገርናን ህዝብናን ብሕማቕ ክጸልዎ ስለ ዝኽእል፡፡ሕጂ ዝተዓመጸ ጽባሕ ዓማጺ ምእንቲ ከይከዉን በቲ ሞራላዊ ጠባያት ሃይማኖታትና  ኣኽቢርናን ተደሪኽናን ክንሰርሕ ግድን እዩ።ካብኡ ምርሓቕ ማለት ግን ካብ ሃገራውነትን ዓቕልን ፍልጠትን ምርሓቕ ማለት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ዘይናትና ጠባያት ምእታው ማለት እዩ።

  1. ከም ሓቂ ግና ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኤርትራ ኻብ ዓዶም ብዙሕ ኣይራሓቑን መብዛሕትኦም ከም ስደተኛታት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዑቅባ ብምሕታት እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።መሬቶምን ኣባይቶምን ዚርስዑ ዚገብሮም ምሾት ናብራ ድማ ኣይረኸቡን ። ምስ ዓዶም ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ርክብ ኣለዎም፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዚፍጸም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከኣ ይከታተልዎን ነቲ ገበነኛ ድማ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም ። ሃይማኖቶም ከኣ ምእንቲ ንመሰሎምን  እምንቶምን  ገንዘቦምን  ክብሮምን  መሬቶምን  ነፍሰሙን  ብዚምልከት ንምዕቃብን ንምክልኻልን  ኪጣበቑሉ ይድርኾም እዩ።

ኣብ መንጎ እቲ ጨቋንን ጭቁናትን ደማዊ ግጭት ክርአን ክፍጸምን ከምዝኽእል ከኣ  ካብ መድረኽ ኤርትራውያን ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኢዩ ዘሎ፡ ብፍላይ እቲ ዓማጺ ጉጅለ ገዛኢ ነቶም ዝኣመንዎ ሰዓብቱ ንዘለኣለም ዕቤትን ድሕንነትን ርግኣትን ክብሪን ናጽነትን ከምኡውን ብልጽግና ንኽረኽቡ ንኸእምኖም ሓይሊ የብሉን ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ነዊሕ ታሪኹ ካብ ደርፍን  ሳዕስዒትን  ኣልኮላዊ መስተን ከምኡውን መዘናግዒ ሓሊፉ ኻልእ ነገር ኣይነበሮን ። ስለዚ እቲ ግዜ ኸይኣኸለ ህዝቢ ሃይማኖት ነቲ ናይ ተሓድሶ ግዴታኦም ብህጹጽ ክሰርሕሉን ኪፍጽምዎን ከምዝግበኦም ከተሓሳስብ እፈቱ ።

እቲ እተገብረ መጽናዕቲ ንስርዓት ኤርትራን ሰዓብቱን ደገፍቱን  ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዘይሰማምዑን ፍልይ ዝበለ ርኢቶ ንዘለዎምን ሰዓብቲ ካለኦት ጉጅለታት ክርስትያን ዘውርዶ ዘሎ ማህሰይቲን  ኣብ ልዕለኦም ዝፍጽሞ ዘሎ በደልን ይኹን ነቲ ናይ ማህሰይትን ማእስርትን ጥሪቶም ናይ ምውሳድ ተግባር  ይኹንንን የቃልዕን። ምስልምና ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዀነ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዚወርድ ዓመጽ ምሉእ ብምሉእ ይዅንን እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እተፈጸመ ምጕዳል ፍትሒ እንዛረቦ ፍሉይ ዘረባ ኸኣ ንኻልኦት ኣንቈራታት እንታይ ከም ዘጋጠሞም ኣይካሓድን እዩ።

ካላኣይ፥ለበዋታት

 እቲ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያናትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ርክብ ኣብ ጨካንን ተጨካንን መሰላትን እተመስረተ ክኸውን ቅኑዕ ኣይኰነን ።የግዳስ ዜጋታት ንሓድሕዶም  ኣብ ሰላማዊ  መኣዲ ዘተ  ኺመጹን መሰልን ፍትሕን ንኩላትና ሓንቲ ትብጻሓና ከምዝኾነት ብምርዳእ ብሓባር  ኪነብሩን ክሰማምዕሉ ግቡእ እዩ ። ሓባራዊ ምይይጥ ንኩላትና ብዛዕባ እቲ ንሃገርን ንህዝብን ዚቈጻጸር ሕጊ ፡ነባሪ ስምምዕ ከም ዚህሉ ኺገብር ኣለዎ ። እቲ ንሃይማኖት ሓዲግካ ኽቱር ዒልማናዊ ( secularism) ኣተሓሳስባ ዘለዎ ስርዓት እውን እንደገና ኽምርመርን ዳግመ ርኢቶ ክግብረሉ ኣለዎ ።

ብዙሓት ጕጅለታት ኤርትራ ነዚ ጭሮሖ ናይ ዕልማናዊ ( secularism) ኣተሓሳስባ እውን ንሃይማኖት ብምርሓቕ ክሰርሕሉ ፈቲኖም እዮም ክሳብ ሕጂኢ እውን ዝኾነ ኣወንታዊ  መፍትሒ ድማ ኣይተረኽበሎምን  ። ኣብ ክንዳኡስ ጥሩፍነትን ንሓድሕደን ኣብ ዘይምግዳፍን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ፈተነ ገበሩ። ምስ ሃይማኖትን ምስ ክቡር ስነ-ምግባራዊ ስርዓታታን ምስ ሃገራዊ ጕዳያት ዚተሓሓዝ ሕጋጋታን ዚግበር ውግእ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ጭርሖ ዓለማዊነትን ዲሞክራሲን እውን ንሓድሕዱ ዚግበር ውግእ እዩ ነይሩ ። እዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ካብቲ ጐዳኢ ኣንቆራታት ዝነበሮም ምትሕንፋጽ ከምኡውን ካብቲ ምስ ኤርትራዊ ቓልሲ እተተሓሓዘ ዅነታት መውጽኢ ኣይነበሮምን ።

እቲ ምርምር እዚ ዚስዕብ ርእይቶታት ሒዙ ኣሎ ፦

1-ንክልተኦም ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ክርስትያናትን ሃይማኖት ንጕዳያት ጸገማትን ዓዶም ኣብ ምፍታሕ ንዘለዎም  ኣበርክቶ ንኽሳተፉ ክፍለጦሎምን ክእመነሎምን ይግባእ። ስለዚ እቶም ንሃይማኖታዊ ኣንቆራታት ብዒልማናውነቶም ተደሪኾም ዚነቕፉ ሓያል ተጻባእቲ ድምጺ ዘለዎም  ደው ኪብሉ ኣለዎም ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ጸለመ ናብቶም ጨቈንቲ ኣንቈራታት ማለት ናብ ሓደ ጕጅለ ጨቈንቲ ፡ወተሃደራት ናብ ሓደ ጨቋኒ ሃገራውነት ወይ ከኣ ናብ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ዚመርሕ ክኸዉን ኣለዎ ፣ ከመይሲ ንኻልኦት ናይ ምጕዳእን ብምጥቃዕን ጠባያት ስለ ዝሓዘለ   ።

2-እቲ ንሃይማኖት ዚወሃብ ኣሉታዊ ትርጕምን ኣብ ካልእ ሃገራዊ ጕዳያት ንኽዓግቱ ዚርአን ዝግበርን  እሞ ድሩት ምንቅስቓስ ንኽህልዎ ዝካየድ ጻዕርታት ደው ኬብል ኣለዎ ። እዚ ኸኣ ኣብ ሃይማኖት ብርእሱ ቐይድታት ዚገብርን ንሃይማኖታዊ ጽሑፋት ብመሰረት ድላዩ ዚትርጕምን ዒልማናዊ ( secularism)  ኣረኣእያ እዩ።እዚ ዒልማናዊ ( secularism) ኣራኣእያ እሞ ንሃይማኖት ሓጹር እትገብረሉን ንሃይማኖታዊ ትሕዝቶታት ንዓኣ ብዝሰማማዓን ዝጥዕማን መግለጺ ትህበሉ። እዚ ዓመጻዊ  ኣሉታዊ ኣጠማምታ ንሃይማኖት ጠጠው ክብል ከምዘለዎ ደጊምና ንጽውዕ።

ምኽኒያቱ ከም ኩሉ ካልእ ሞያን  ፍልጠታትን፡ኣብ ሓደ መዳይ ዝተማሃሩን ብዕምቆት ዝፈልጥዎን ኣብ ሃይማኖት እውን ንዕኡ ዝተማሃሩን ዘጽንዑን ስለ ዘለዉ እሶም እዮም ከኣ ብዛዕባ ሃይማኖት ክሕተቱ ዝግባእ።ስለዚ እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ብዘይ ፍልጠት ምዝራብን ብዝጥዕመካ  ትርጉም ሂብካ ምግላጽን ክተርፍ ኣለዎ።

3- ዝኾነ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምትእትታው ብፍላይ ብሸነኽ ሰበ ስልጣን ጠጠው ክብል ይግባእ።ምኽኖያቱ ን ጕዳያቶም ባዕሎም  ኬመሓድሩን ንጠባያት ሰዓብታ’ዉን  ባዕላ ክትመርሕን ክትእርምን ስለ እትኽእል።

ብዘይ ናይ መራሕቲ ሰበ ስልጣን  ሰለይቶምን  ምትእትታው ን ምምሕዳራውን ሃይማኖታውን ጕዳያቶም ብዝምልከት’ዉን ዝሰማማዓ ንጥቕማን ዕላማታትን ዘጋናጽፈላ ሕግታትን መምሪሒታትን ከተውጽእ መሰላ ከምዝኾነ ምፍላጥን ምርዳእን።ንማእከላውነታን ፍትሓውነታን ብዝምልከት’ዉን ንሰዓብታ ካብ ዝኾነ  ትዕቢትን ጭከናን ጭቈናን ንምርሓቕ ብእሩምን ቅኑዕን ሚዛኑ ብዝሓለወ ኣገባብ ምቕራብን ምውጃህን ሓደ ካብ መሰላታ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።

4.-ኵለን ሃይማኖታውያን ጉጀለታት ብሓደ ኣረኣእያ ኺርኣያ ኣለወን: እቲ ዝግበአን ደገፍ ክረኽባ’ዉን ይግባእ።መሰል ናይ ስብከት ሃሊየወን በቲ እሩምን ዝበለጸን ኣገባብ ክኸዳ ከኣ ግድን እዩ።

ብተወሳኺ ናይ ቤተ-ትምህርታት ትካላት ንኸቁማን ንህጻናታ ንምምልማል ዕድል ክረኽባ ኸኣ ንቡር እዩ።

ጠቓሚ ዝኾነ ትካላት ምህናጽን ምስ ወጻኢ ናይ ርኽክብ ንጥፈታት ከካይዳ ኩላተን ማዕረ ዕድል ክረኽባ  መሰለን ክሕለወለን ኣለዎ። እዚ ዝኾነሉ ኸኣ ካብ ኩሉ ናይ ስለያ ክሲን ካብ ናይ ወጻእ ጸቕጢ  እሞ ንሃገርናን ዜጋታትናን ብሕማቕ ክጸልዉ ዝኽእሉ ረቛሒታት ብምርሓቅን  ነቲ ሃገራዉን ብሕታዉን ረብሓ ብምዕቃብ ክሰላሰል ይግባእ።እቲ ክንጥንቀቐሉ ዝግባእ ጉዳይ ግን እዚ ምስ ወጻኢ ዝካየድ ርኽክብ በቶም ናይ ውሽጢ ኣንቆራታት ንመግዛእቲ ንኸእቱ  ኣፍደገ  ክኸፍተሉ ስለ ዝኽእል ቆላሕታን ጥንቃቐን ክግበረሉ ናይ ግድን እዩ።

5- ብናተይ ኣረኣእያን ሓሳብን ኩለን ምምሕድራት ሃይማኖታዊያን ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ብሓንሳብ ብምርኻብን ብምዝታይን ንኹለን ዘራኽበን ኣብ ናይ  ክብሪ ቻርተር ብምስምማዕ፡ንህዝባዊ ግዴታ ንምግልጋል፡ንመሰላት ምክልኻልን፡ሃይማኖትን ማሕበራዊ ሰላምን ምክንኻን፡ኣብ ምዕባለ እታ ሃገር ምዕያይ፣ነቲ  ቅኑዕ መምሪሒታት ሃይማኖታት ብሰለማዊ መንገድታት  ምትግባር። ካብቲ ቅኑዕ ዘይኮነ መግለጺ ናይ ሃይማኖት ብምርሓቕ ነቲ ኣወንታዊ ዝኾነ መግለጺ ናይ ሃይማኖት ምዝውታር።እዚ ማለት ከኣ ሃይማኖት ከም ኣካቢን ተጻዋርነት ዘለዎን ኣብ ሰናይ ተግባር ናይ ምትሕግጋዝ ጠባያት ዝጽውዕን ነቲ ናይ ሃሳዪ ጠባያት ከምዝቃወምን ምፍላጥ።

6- ኵለን ሃገራዊ ኣንቈራታትን ጉጅለታትን  ነቲ መራሒ ስልጣን ኮነ ኣንቆራታትን ዚፍጸም ዓመጽ ኺሓድግዎ ይግባእ። ከምኡውን ፈጣሪ  ነቲ ኣብ ዓዶም ዘሎ ፍልልያት ወይ ጕዳያት ኣብ ዘተ ተሞርኪስካ ፍትሒ ምንዳይ እዩ ዝእዝዝ። እቲ ኣብዚ ከነስምረሉ እንደሊ ጉዳይ እንተሃልዩ  ንሓሳብ ብሓሳብ ምግጣም፡ እምንቶ ኸኣ ብእምንቶ፡ ርኢይቶ ኸኣ ብሪኢይቶ ክሳብ እቲ ምዝታይን ክትዕን ኣብ ሓደ ናይ መሳመምዒ ነጥቢ ወይ ኣብ ዕግበት  ዝበጽሕ።እቲ ጉዳይ ናይ ሕጋዉን ዘይሕጋዉን ፍልልይ ርኢቶ እንተኾይኑ እሞ ኣብ ስምምዕ ዘይበጻሓሉ፡ ፍርዲ እንተደልይሉ  ናብ ቤት ፍርድን ናብ  ሰበ ሕጊ  ይመሓላለፍ ፡ ግን ኣብ ናይ ሃይማኖታዊን ካብኡ ዝመንጨወ ጠባያትን ብዝምልከት ግን ፈጣሪ ባዕሉ እንታይ እዩ እቲ ሓቂ ስለ ዝፈልጥ ንዕኡ ምግዳፍ ይምረጽ።

7-ቅድም ቀዳድም  ኣብ ምስልምና ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ካለኦትን  ሓደ ድልዱልን ሰፊሕን ዝኾነ ናይ ብሓባር ናይ ምንባር  መሰረት ከምዘሎ ከረጋግጽ እፈቱ።ምኽኒያቱ እስልምና ብካብ ፈጣሪ ዝወረደ ብኩሉ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ስለ ዝኣምን።ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሰዓብታ’ዉን ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ጠባይ ክዝውተር ከምዘሎ የተባብዕ።

ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰበ መጻሕፍቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ’ዉን ይኹንን።ምኽኒያቱ ሰበ መጻሕፍቲ ካብ ዝኾነ ን ሂወቶምን ነብሰምን ክብሮምን ገንዘቦምን ክሕለወሎም ከምዝግባእ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ዕላማ ምስልምና እዩ።ነዚ መሰላት ብዝምልከት እውን ኣብ ጽሑፋት ናይ ሙጃሂዲን ከም ኣገዳሲ ተልእኾ ተማሓላሊፉ ኣሎ፡

እዚ ሰላማውን መሰረታዉን  ናይ ብሓባር ምንባር  ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምናን ኣመንቲ ክርስትናን እውን ኣብቲ ሸርዓዊ ትእዛዛት ኣል-ላህ ሰፊሩ ይርከብ።ስቕ ኢልካ ከምዝመስለካን ከምዝጥዕመካን ንርኢይቶ ሰባት ኮነ ርኢይቶ ሰልፍታት ወይ ጉጅለታት ኣይተሓድገን።ኣነ ክምዝፈልጦን ከምዝርዳኣንን ከኣ ኩለን ካለኦት ሃይማኖታት እዚ ናይ ብሓባር ናይ ምንባር  ተረደኦ  ኣለወን።ኩለን ኣመንቲ ሃይማኖታት’ውን ዝኾነ  ናይ መጥቃዕቲን ናይ ዓመጽን ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከምዝነጽግዎን ዝኹንነኦን ግሁድ እዩ። እቲ ኣብዚ ክማሕጽኖ ዝደልዮ ጉዳይ እቶም ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ዝወሰዱ ኣብቲ ፖለቲካዊ ትርኢት ቦታ ሃልይዎም ደድሕሪ መራሕቲ ስልጣን ዝኸዱ እሞ እቲ ስልጣን ንስእሉ ከጸብቕን ስልጣኑ ክዓቅብን ዝጠቀመሎም፡ እቲ ዝግባእ ሓላፍነቶም ብምስካም በቲ ዝተመልመልሉ እሩም ሃይማኖታዊ ጠባያት ተደሪኹም  ነቲ ናይ ብሓባር ናይ ምንባር እሞ ፍትሕን መሰልን ክነግስ ዘለዎ  ድልየት ህዝቢ ክዓቕቡን ከተባብዑን ይግባእ።

እቲ ናይ ሓባር ምንባር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ኣንቆራትን ክረጋገጽ ምእንቲ ነቲ ቅድመ ኩነት ክፍጸም ዝገበኦ ንናጽነትን ንናይ ብዙሕነት ጉዳያት ምሕላውን በቶም ዝተፈላለዩ ኣንቆራታት ክትግበር ይግባእ።ከምእዉን ነቲ ቀዋምን ፍሉይነት ዘለዎ ምኽባር።

9-ጌጋ ናይ ምእራም ባህልን ልምድን ጠባይን ምዝውታር።ንዝተፈጸመ ጌጋታት ድሕሪ ምእራሙ እንደገና ከይድገም ምጽዓር።ንገበናዊ ፍጻሜታት ከኣ ኣብ ቤት ፍርዲ ምፍታሑን ንዝተበደሉ ኸኣ ይቕረታ ምሕታት።ምኽኒያቱ እንተደኣ ይቕረታ ዝይተሓተ ፍትሒ ዘይተረኽበ እንደገና እቲ ጌጋታት ክድገም ስለ ዝኽእል።እዚ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም በደልትን ዓመጽትን’ዉን ከምበሓድሽ ኣብቲ ፖለቲካዊ ምርኢት ዕድል ብምርካብ ነቲ ጌጋታት ክደግምዎ ስለ ዝካኣል።እዚ ንባዕሉ’ዉን ንኻለኦት ዓመጽቲ ኣፍደገ ምኽፋት ማለት እዩ።

10-  እቶም ዝተፈለለዩ ጉጅለታት ሃይማኖት ኣንቆራ  ንሃገርና  ንምምሕዳር ብዝመልከት  ውዑል ምሕደራ  ከካይዱ ሓሳብ ከቕርብ እደሊ።እዚ ማለት ከኣ ካብ ስግር ዶብ ዘይተለቀሐ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመነጨወ ኣብ ሃይማናትን ባህልን ልምድን ተሞክሮን ከምእውን ጥቕምን ህዝብና ዘገልግል ቅዋምን ሕግን ምሕንጻጽ ማለተይ እዩ።

ነፍስወከፍ ዞባ ናይ ገዛእ ርእሱ ምምሕዳር ሃልይዎ በቲ ዝሰማመዑ ስርዓተ ምሕደራ ብምኽታል፡ነታ ማእከላዊት መንገስቲ ግቡኡ ክፍጽምን ብመምርሒ ናታ ክኸይድን ይግባእ።እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ሓሳብ ግን ነፍስወከፍ ዜጋ ከምድላዮ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ክንቀሳቐስን ኣብ ዝመረጾ ቦታ ክነብርን ስራሕ ክደልን ክውንንን መሰሉ እዩ።እዚ ዝኾነሉ ግን ባዕሉ እቲ ውልቀሰብ እንተመሪጽዎን ደልይዎን እምበር ብሸነኽ መንግስቲ ንሰባት ካብ ቦቶኦምን ዓዶምን ዞባኦምን ብሓይሊ ኣልቂቕካ ናብ ካልእ ዞባታት ክነብሩ ምግብር ሳዕቢናቱ’ዉን ሕማቕ ኮይኑ፡ ነፍሳዊ ሕማምን ግጭትን ባእስን እዩ ዘስዕብ ።ብፍላይ ከኣ እዚ ናይ ሰባት ካብ ቦታኦም ምልቃቕ ብሓደ ዓመጺ ወገናውን ዘይኡሙን ስርዓት እንተተፈጺሙ።

እዚ ምርምር ሰለስተ ምዕራፋትን ትሽዓተ ክፋላትን ዝሓቘፈ እዩ ፡

ምዕራፍ ሓደ ፦ መሰረታዊ ምርምርን ትርጕም ኣንቆራነትን  ቋንቋን ስያመታትን

ቀዳማይ ክፋል ፦ መሰረታዊ ምርምር

 ካልኣይ ክፋል – ኣንቆራነት

ምዕራፍ ክልተ፦ እማረን ተረደኦን ኣንቆራነትን ኣብ ምስልምና ከምእዉን  ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ብዛዕባ ስርዓት ኤርትራ ዘለዎም ኣረኣእያን

ቀዳማይ ክፋል፦ ኣብ እስልምና “ኣንቆራነት” እትብል ስያመ

ካልኣይ ክፋል፦ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኤርትራ ብዛዕባ ስርዓት ጨቋኒ ዘለዎም ኣረኣእያ

ሳልሳይ ክፋል ፦ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ ኤርትራ

ራብዓይ ክፋል     ፦ ሓገዝ  ናይ ሃገራት ኣዕራብ  ንሰውራ ኤርትራ  ኣብ ኣንቃርንርትን ወገንን ድዩ ተመስሪቱ ኔይሩ  ?

ምዕራፍ ሰለስተ፦ ኣብያተ-ክርስትያን ኤርትራ ብዛዕባ ስርዓት ኤርትራ ዘለወን ኣረኣእያ?

ቀዳማይ ክፋል – ኣንቆራነት ስርዓት

ካልኣይ ክፋል፦ ብዛዕባ ኣንቆራነት እቲ ስርዓት ዚገልጽ ምስክርነት ጸሓፍትን ምሁራትን ኤርትራ።

 ሳልሳይ ክፋል ፦ ኣብያተ – ክርስትያን ኤርትራን ብዛዕባ እቲ ስርዓት ዘለወን ኣረኣእያን ምትእትታውን ።

እዘን ሰለስተ ምዕራፋት እዚኣተን ከምእውን  እተን ትሽዓተ ክፋላትን ዝሓዘለኦ ትሕዝቶ ብዘይ ፖለቲካዊ ወይ ኣንቆራታት ተጻጋዕነት  ንሓቂ ንምንጻር ከምኡውን ነቲ ሕማምን  ፈውስን ፍታሕን ከም ሓሳብ ንምቕራብ ዝዓለመ ኢዩ ።

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ሰበ-ሃይማኖት ንሃገራዊ ጸገማትና  ኣብ ምፍታሕ ብዓቢ ሓላፍነት  ከገልግሉ ከም ዝኽእሉ እያ እትኣምን ። እዚ ማለት ከኣ ሰበ-ሃይማኖት ኣብ መጻኢ ዝጻወትዎ ግደ ዓቢን ኣገዳስን ተራ ከምዝኾነ ንምግላጽ እዩ።ምኽኒያቱ ብዒልማናዊነትን( secularism) ብናይ ደስነት ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ኩሉ ተቦግሰታት ንኤርትራ ሃገራዊ ዕርቅን ብልጽግናን ድሕንነትን ሰላምን ፍትሕን ቅሳነትን  ክሰፍና እተጻዕረ ኩሉ ፈተናታቶም ከም ዝፈሸለ እቲ ህሉው ኩነታትና ዝምስክሮ ጉዳይ እዩ።

እቲ ተመራማሪ ዝኣምኖ ጉዳይ እንተሎ ኩለን ሃይማኖታውያን  ጉጅለታትን መራሕትን ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ዚሰማምዑሉ ቻርተር ክብሪ ንምቛም ዚጽዕሩ እንተ ዀይኖም ፡ንብሕታዊ ጕዳያት ሓድሕዶም ዜኽብሩን ንሃገራዊ ረብሓታት ካብቲ ንሃይማኖት ዚድግፍ ዘይፍትሓዊ ፖለቲካዊ ህርፋን ርሒቖም ኣብ ምትሕብባር ዚተሓባበሩን እንተ ዀይኖም እቲ ተበግሶኦም ክዕወትን  እዩ።

ኣብ መደምደምታ እዚ መጽናዕቲ ምርምር  ዝተገብረ ጽማቝ ሓሳባት ናይቶም  ቃለ – መጠይቕ ዝገበረሎም ብዙሓት ሰባትን ከምእዉን  ብዛዕባ እቶም ርእይቶኦም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቃለ – መጠይቓት ዝተገብረን ናይ ብዙሓት ምሁራት ተሳታፍነት ዝገልጽ ኢዩ ።እዚ ዅሉ ርእይቶታትን ሓሳባትን  ነዚ ምርምርን መጽናዕትን ዘካየድክዎ  ኣብ ምዝዛሙ ዓቢ ሓገዝ ከምዝነበሮ ክገልጽ እፈቱ፡ንኹሎም ደገፎምን ሓሳቦምን ዝለገሱለይ ከኣ ካብ መዓሙቕ ልበይ ከመስግኖም እፈቱ።ነቶም ፈላጣት ተመራመርቲ ንመጽሓፈይ ብምንባብ ንመጽሓፈይ ከመሓይሽ ዝኽእል ወርቃዊ ዝኾነ  ሓሳባት ዝለገሱለይ ኣሕዋት ኸኣ ፍልይ ዝበለ ምስጋናይ ከኣ ከብጻሓሎም

እፈቱ፥ ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡

              ዶክቶር፡ሙሓመድ ሰልማን

             ፕሮፈሶር፡ጀላለዲን ሙሓመድ ሳልሕ

             ኡስታዝ፡ዓብደላህ ኢስማዒል ኣደም

ብዝገበሩለይ ሓገዘን መአረምታን ከኣ ኣዝየ ከመስግኖም እፈቱ፡ምኽኒያቱ  ንመጽሓፈይ ብዝበለጸ ኣገባብ ንኸውጻኣ ተስፋን ድርኺት ስለ ዝኾኑኒ።ቅድሚ ነዚ ጽሑፈይ ምድምዳመይ ከኣ ክብሎ ነገር እንተሎ ሓደ ጽሑፍ ወይ መጽሓፍ ሽሕካ ጸሓፊኡ ግዜኡን ሓሳባቱን ይወፍየሉ ምስ ካለኦት ተመራመርትን ጻሕፍትን  ይዘተ ምሉእ ኮይኑ ኣይውለድን ወይ ኣይጻሓፍን እዩ። ምኺኒያቱ ንጉዳይ ሃገር ብዝምልከት ዝቐርብ ሓሳብን ርእይቶን መጽናዕትን ኣብ ሓደ ውልቀሰብ ተሓጺሩ እቲ ፍታሕ ክባሃል ስለ  ዘይካኣል።ግን ፍትወትን ቅኑዕ ሕልናን ዝደረኾ ሰብ  ንጸገማት ሃገርን ዜጋታታት ዝመስሎ  ክመራመርን  ፈውስን ፍታሕን ከቕርብን  ናይ ግድን እዩ።

ከምዚ ዓይነት ተቦግሰታት እንዘይሃሊዩ ኸኣ ንሓሳባት ገና ኣብ ልብን ኣእምሮን ከሎ ምድፋንን ምቕታልን ማለት እዩ። ነበርቲ ሰባት  ክሓስቡን ክመራመሩን ዝኽእሉ ነቲ ተሓላሊኹ ዝረአ ጸገማት ሃገርና ፍትሕን ፈውስን ካብ ምድላይ ከዕርፉ ኣይግባእን። ብሽም እቲ ልዑል ኣል-ላህ  ፈጣሪ ዝተበገሰ ስራሕ እውን ቀጻልነትን መዛዘምን ከም ዝህልዎ ፍሉጥ እዩ።

ምእንቲ ሃገርና ቅሳነትን ሰላምን ክሰፍና ዝጽዕሩ ዘለዎ ባእታታት ነዚ ብንጽህና  ዘቕርቦ ዘለኹ መጽናዕቲ ወይ ነዚ ጽሑፈይ ብምንባብ፡ሓሳባቶምን ርኢቶምን ብንጽህና  ከቕርቡለይ ይሕጉሰኒ ጥራይ ዘይኮነስ ጻዊዕተይ ከቕርብ እፈቱ። እቲ ድልየተይ ከኣ ምናልባት ካብዚ ጽሑፍ ብምብጋስ ናይ ሓባር ፕሮጀክት  ስራሕ ሓድንት ዘማለአን ንሃገራዊ ሸቶታት ዚወቅዕን ንሃይማኖትን ሰበ- ሃይማኖትን ዘኽብርን፡ ዜጋታት ንሓድሕዶም ዚተኣማመኑሉ ባይታ ምጥጣሕ እዩ።ሓደ ጉጅለ ደይ መደይ ኢሉ ብኣንቛራነቱ ተደሪኹ ንኻልእ ጉጅለ ምሕሳርን ምዕማጽን ብምርሓቕ   ምእንቲ ሓንቲ ኩሎም ዜጋታት ብዘይ ፍርህን ስግኣትን ነጻ ኮይኖም ብሰላም  ዝነብሩላ ሃገር  ንምህናጽ ዝዓለመ ጽሑፍ እዩ። ምስጋናይ ከኣ ነቲ ልዑል ዝኾነ ፈጣሪ ይኹን፤

            ዶ / ር  ፡ ሓምድ ሙሓመድ ሓላፋ ኣባል ጕጅለ ትካል ዜና ዛጀል ኤርትራ

(Secularism) ዒልማናዊ ዝብል ቃል ብዓረብ ካብ  ዒልም ( ፍልጠጥ) እተወስደ  ኮይኑ ንዓለም ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ኣርሒቕካ ሓደ መንግሲ ስርዓት ሃይማኖት ብምርሓቕ ዘካይዶ መምርሒዪ እዩ

تنويه :

ترجمة ملخص الكتاب باللغة الإنجليزية و التغرنية قد لا تكون خالية من الأخطاء. راجع الموجز الأصلي باللغة العربية عن أي سوء فهم أو توضيح.

Translation of the book summary in English and Tigrinya may not be free of errors. Refer to the original summary in Arabic for any misunderstanding or clarification.

እዚ ጽሟቅ ሓሳብ ብእንግሊዝኛ ትግርኛ ካብ ጌጋ ናጻ ክኸውን ስለዘይኽእል፤ ንዝያዳ መብርሂ እቲ ብ ዓረብኛ ተጻሒፉ ዘሎ ጽሟቅ ሓሳብ ከተንብቡ ንላቦ።

تعليقات

تعليقات

مقالات ذات صلة

اترك تعليقاً

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *

زر الذهاب إلى الأعلى